ህዝቢ ትግራይ፣ መቦቀልን ወናንን ወሎዶታት ተሳጊሮም እናተወራረሱ ዝመፁ ረዘንቲ ክብሪታት እዩ። እዞም ንፁር ዕላማ፣ፅንዓትን ተወፋይነትን፣ሓቂ፣ፍትሕን ርትዕን፣ሓልዮትን ምድግጋፍን ዝመትከሎም ንቡራት ክብሪታት ፤ተጋሩ ንኣሸሓት ዓመታት ከምሓደ ስድራ ኣተኣሳሲሮም ዘሊቖም እዮም።

ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኹናት ፅንተት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሓጓፍ ሰላምን ድሕንነትን፣ ፍትሕን ርትዕን ንቡራት ክብሪታትና ነውሪ ዝኾንሉ ነውራማት ተግባራት ድማ ንቡራት ክብሪታት ናብ ዝኾንሉ ኣዝዩ ኣሰካፊ ብርኪ ወዲቕና ንርከብ።

ናይ’ዚ መርኣያ ድማ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ መጭወይትን መቕተልትን ተጋሩ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።እዚ መርኣያ ጫፍጭካነ ዝኾነ ሕሱር ተግባር በቢእዋኑ ህይወት ተረከብቲ ዓዲ መናእሰይ ብሰላሕታ ብምጥፋእ መንእሰይ ኣልቦ ትግራይ ንምፍጣር ዝዓለመ ምኻኑ ምርዳእ ይከኣል።

እዚ እከይ ተግባር ብኣግኡ ዝዕገት ሓቂ፣ፍትሕን ርትዕን በቢብርኩ እንትትግበር ስለዝኾነ ኣብዚ ከይዲ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ግቡኡ ንምውፃእ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ድልዊ ምኻኑ የረጋግፅ።

በዚ ኣጋጣሚ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ተጨውያ ህይወታ ዝሓለፈ ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይን ካልኦት ግዳያት ግዳያትን ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ሓዘኑ እናገለፀ ነዚ እከይ ተግባር ድማ ብፅኑዕ ይኹንኖ።

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

12 ሰነ 2016 ኣ.ግ

መቐለ ፣ ትግራይ

Categories: Uncategorized

Leave a Comment