ግብራዊ ቃል ፣እዋን ዝጠልቦ ውራይ!!!

ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ኣሸሓት ዓመታት ዘቑፀሩን መራኽቦ ጫፋት ዓለም ዝኾኑን ገዘፍቲ ስልጣነታት ፣ስነ-መንግስቲ፣ታረኽ፣ባህሊ፣ፖለቲካን ዲፕሎማስን እዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ህዝቢ ትግራይ፣ምስ ዘመናት እናተባረዩ ኣንፃር ህልውንኡ ዘቕንዑ ቅሉዓት ተፃብኦታት ፅንታን ግበታን ሓይልታት ውሽጥን ግዳምን ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጀግንነትን ክቃለስ ፀኒሑን ኣሎን።

ዕላማ መዋእላት ዝተሳገረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ድማ ቃልሲ ሓቂ፣ርትዕን ፍትሕን ጥራይ እዩ።ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ቃልሲ መስዋእቲ ፣መቑሰልትን ድሙቕ ዓወትን ኮይኑ እውን ወለዶታት እናተቐባበልዎ ይቕፅል ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ቀለስቲ በቢ መዋእሉ ክካየዱ ዝፀንሑን ዘለውን መረርቲ ቃልሲታት ዝኾኑ መናእሰይ ትግራይ ብዝኸፈልዎ ረዚን ዋጋ ካብ ዝተኣወጀልና ሙሉእ ፅንታ ዲሒንና እነሆ መዓልቲ ዝኽሪ ስውኣት ንምብዓል በቒዕና።

ይኹን እምበር ሐዚ እውን እዚ ክቡር ዕለት እንተነብዕል ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ መድረኽን ስውኣትና ዝወደቕሉ ዕላማ ብግብሪ ንምርግጋፅ ዕረፍቲ ኣብ ዘይህብ ህሞትን ኮይንና እዩ።

ብቐንዱ ዕላማን ደበስን ስውኣትና ዝዕወት ድማ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኣላውነትን ትግራይ ውሑስ እንትኸውን፣ ንዝበፅሓና ፅንታ ፍትሕን ርትዕን እንትረጋገፅን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር መረበቶም እንትምለሱን እዩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ምእንተ ውሑስ መፃኢ ተጋሩን ትግራይን ክብሉ ክቡር መስዋእትን መቁሰልትን ናይ ዝገበሩ ስድራ ስውኣት ንምሕብሓብን ኩለመዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ቀለስቲ እዚ ቅያ ዝኾኑ መናእሰይ ንምርግጋፅን ቃል ናብ ተግባር ንምሽራፍ እንረባረበሉ ወሳኒ እዋን ኣለና።

በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቃል ስውኣት ትማልን ሎምን ንምትግባርን ዙርያ መለሽ ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ምርግጋፅ ፍትሕን ርትዕን፣ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ፣ ልዕልነት ሕጊ፣ምውሓስ ሰላምን ድሕንነትን ንምምላስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ግቡኡ ንምውፃእ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ከረጋግፅ ይፈቱ።

ክብርን መጎስን ንሰውኣት ትማልን ሎምን

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

15 ሰነ 2016 ዓ/ም

መቐለ፣ትግራይ

May be an image of 1 person, fire and crowd
Categories: Uncategorized

Leave a Comment