ብምትሕብባር ማሕበር መናእሰይ ትግራይን ቢሮ ጥዕና ትግራይን ዝተዳለወ መድረኽ ኦሬንቴሽንን ስልጠናን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተጀሚሩ።
ኣብቲ ክልላዊ መድረኽ ካብ ኩለን ወረዳታትን ዞባታትን ትግራይ ዝተወከሉ 210 ኣመራርሓ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይሳተፉ ኣለዉ። ነቲ መድረኽ ዝኸፈተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ሰናይ ከሓሰ ፣ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ መድረኽ ፣ ግደ ወለንታውያን መናእሰይ ኣብ ምድንፋዕ ክረምታዊ ማእቶት