ኣብቲ ክልላዊ መድረኽ ካብ ኩለን ወረዳታትን ዞባታትን ትግራይ ዝተወከሉ 210 ኣመራርሓ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይሳተፉ ኣለዉ።

ነቲ መድረኽ ዝኸፈተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ሰናይ ከሓሰ ፣ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ መድረኽ ፣ ግደ ወለንታውያን መናእሰይ ኣብ ምድንፋዕ ክረምታዊ ማእቶት ፣ ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ኤድስን ብርኪ

ተቓላዕነት መናእሰይን ከምኡ እውን ባህሊ ልገሳ ደምን ዘለሉ ብርክን ኣብዝብሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት

ስልጠናን ኦሬንቴሽንን ከምዝወሃብ ሓቢሩ።

ሰልጠንቲ ብክልሰ-ሓሳብ ዝረኸብዎ ስልጠና ናብ ተግባር ብምውዓል መደባት ቐፀልቲ ክልተ ኣዋርሕ ብሙሉእነት ከዐውቱ ትፅቢት ከምዝግበር ዝገለፀ መንእሰይ ሰናይ ነዚ እዋናውን ኣገዳስን መድረኽ ብገንዘብን ሞያን ድጋፍ ዝገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣመስጊኑ።

Categories: Uncategorized

Leave a Comment